መእተዊ

ንጽፈትን ስሉጥ ኣገልግሎትን ብኦን-ላይን ምዝገባ ከም ኣማራጺ ተወሲዱ ካብ ዕለት 20.01.2025 ጀሚሩ ክስርሓሉ ኢዩ። ዝኾነ ኣገልግሎት ዝሓትት ሰብ መመልከቲ ብመንገዲ ኦን-ላይን ከቕርብ ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኤምባሲ ማለት Botschafte-Eritrea.de ተመልከቱ። ኣብኡ ምስ ኣተኹም Online-Regestrierung ጠውቑ።

ነፍስ-ወከፍ ዝሕተት ነናቱ ፍሉይ መረጋገጺ ከምዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሰፊሩ ኣሎ)፡ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምሃብ፡ እዘን ዝስዕባ ሰነዳት ቅድሚ መሕትት ወይ መመልከቲ ምምላእና ኣብ ኮምፒተርኩም ክጻዓና ይግባእ። ኣብቲ ዝሕተታሉ ኸኣ ኣብ ቦተአን ይስኮዓ። ማለት upload ንገብረን።

 

  • መንነት ካርድ ኤርትራ
  • መንነት ካርድ ኤርትራ ዘይብልና ምስ ዝኸውን ቅዳሕ መንነት ካርድ ናይ ኣቦን ኣደን
  • ፓስፖርት (እንተሎ)
  • መንበሪ ፍቓድ ኣብ ጀርመን
  • ስእሊ እውን ኣብ ግዜ ምምዝጋብ ክትጽዕንዎ ኣኽእሎ ኣሎ። እንተዘይተኻኢሉ ግን ኣብ ቤት-ጽሕፈት ብቆጽራኹም መሰረት ክትመጽኡ ከለኹም ተማሊእኹሞ ምጽኡ። ምምጻእ ዘየድልዮ ኣገልግሎት ምስ ዝኸውን ግን ነቲ ስእሊ ዘድልዮ መመልከቲ፡ ክትምዝገቡ ከለኹም ነቲ ስእሊ ኣብ ቦታኡ ጸዓንዎ።
  • ክፍሊት ከም ዝተገብረ ዘረጋጋጽ ሰነድ ባንክ

 

ንክፍሊት ዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ Botschaft-Eritrea.de ተመልከት። ኮይኑ ግን ኣብ ነፍስ-ወከፍ መወዳእታ ናይ መመልከቲ ማለት Application / Antrag ክፍሊት ክንደይ ከምዝኾነ ሓበሬታ ይወሃብ ኢዩ። ናይ ብባንክ ከም ዝተመሓላለፈ ዘረጋግጽ ሰነድ (Überweisung) ኣብ ቦትኡ ከም ጥብቆ ኣብቲ መመዝገቢ ተእትውዎ።

ጉድለት ዘለዎ ምዝገባ ኣገልግሎት ኣይክረክብን ኢዩ። ስለዚ ከየጉደልኩም፡ ኣጻፊፍኩም ዝሕተት ምስ ኣማላእኹም ጥራሕ ኦን-ላይን ምዝገባ ክትገብሩ ነዘኻኽር።

ኣብ ኤምባሲ በርሊን ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሰሜን ጀርመን፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ጀርመን ገለ ክፋላት ኣብ ምዕራባዊ ክፋልን ሰሜን ካብ ማእከልን ዘለዉ ዜጋታት ጥራሕ ኢዮም። ካብዚ ወጻኢ ዝነብሩ ኣብ ኤምባሲ በርሊን መመልከቲ ከቕርቡ ወይ ኣብዚ ኦን-ላይን መመዝገቢ ክምዝገቡ ፍቑድ ኣይኮነን። ከምዚ ምስ ዘጋጥም ተገልገልቲ ኣገልግሎት ኣይክወሃቡን ኢዮም።

ምስዚ ብምትእስሳር ካብ ዕለት 20.01.2026 ጀሚሩ ብዘይ ቆጸራ ንዝኾነ ሰብ ኣገልግሎት ከምዘይንህብ ብትሕትና ነፍልጥ!!

ንጽፈትን ስሉጥ ኣገልግሎትን ብኦን-ላይን ምዝገባ ከም ኣማራጺ ተወሲዱ ክስርሓሉ ኢዩ። ዝኾነ ኣገልግሎት ዝሓትት ሰብ መመልከቲ ብመንገዲ ኦን-ላይን ከቕርብ ኣለዎ። ነፍስ-ወከፍ ዝሕተት ነናቱ ፍሉይ መረጋገጺ ከምዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሰፊሩ ኣሎ)፡ ንኩሉ ዝጥርንፍ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምሃብ፡ እዘን ዝስዕባ ሰነዳት ቅድሚ መሕትት ወይ መመልከቲ ምምላእና ኣብ ኮምፒተርኩም ክጻዓን ይግባእ። ኣብቲ ዝሕተታሉ ኸኣ ኣብ ቦተአን ይስኮዓ። ማለት upload ንገብረን።

ዝኾነ ኣገልግሎት ዝሓትት ሰብ መመልከቲ ብመንገዲ ኦን-ላይን ከቕርብ ኣለዎ። Online-Registrierung

Botschaft des Staates Eritrea
Stavangerstraße 18
10439 Berlin


ኤርትራዊ ወረቐት መንነት


ሓድሽ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት፦

ሓድሽ ኤርትራዊ መንነት ዝሓቱ

  • » ፎርም ሓበሬታ ሓድሽ መንነት

  • ምሉእ ስም ሓታታይ ክሳብ 4ይ ወለዶ

  • ምሉእ ስም ኣደ ክሳብ 4ይ ወለዶ

  • ቅዳሕ ወረቐት መንነት ናይ ወለዲ

  • ኣቦን ኣደን ብህይወት ምስ ዘይህልዉ ቅጺ ምስክርነት ዜግነት ንነበርቲ ወጻኢ ብውክልና ይምላእ (ስም ወኪል ቁጽሪ ቴሌፎን ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቀረባ ዘመድ ብኣደ ወይ ብኣቦ)

  • መበቆል ዓዲ

  • ኣርባዕተ ስእሊ 4,5X3.5 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)

  • መነጸር ንዝጥቀም ናይ ሓኪም ሰነድ

  • ስእሊ ምስ መነጸር ብሓኪም ዝተኣዘዘ ምስ ዝኸውን ብሓኪም ከም ዝትኣዘዘ ዘረጋግጽ ሰነድ

  • ሰነድ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ጀርመን/ ኣብ ኢድ ናይ ዘሎ ፓስፖርት ቅዳሕ

  • ምሉእ ኣድራሻ

  • ክፍሊት ዕድሜኦም ትሕት ዕስራ ዓመት ንዝኾኑ፥- 20.00 ኦይሮ

  • ክፍሊት ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝዕድሜኦም፥- 20.00 ኦይሮ ተደመሮ 15.00 ኦይሮ ንነፍሲ ወከፍ ተወሳኺ ዓመት

  • ንመላኣኺ ቡስጣ ዘገልግል እኹል ብዝሒ ገንዘብ ዘለዎ ቴምብር


መተካእታ ወረቐት መንነት


መንነት እንተድኣ ጠፊኡ ተበላሽዩ ወይ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዝወሃብ ዘሎ መንነት ወረቐት ንምትካእ ፡ መሕተት መተካእታ ወረቐት መንነት ይምላእ። መተካእታ ወረቐት መንነት ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም፥-

መተካእታ ወረቐት መንነት ዝሓቱ

  • » ፎርም ሓበሬታ-መንነት መተካእታ

  • ቅዳሕ ኣብ ኢድ ዘሎ ወረቐት መንነት

  • ኣርባዕተ ስእሊ 4,5X3.5 (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)

  • ስእሊ ምስ መነጸር ብሓኪም ዝተኣዘዘ ምስ ዝኸውን ብሓኪም ከም ዝትኣዘዘ ዘረጋግጽ ሰነድ

  • ሰነድ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ጀርመን/ ኣብ ኢድ ናይ ዘሎ ፓስፖርት ቅዳሕ

  • ምሉእ ኣድራሻ

  • ክፍሊት 20.00 ኦይሮ


መአረምታ ኣብ መንነት ወረቐት


መአረምታ መንነት ወረቐት (ስም፡ዕለተ ልደት፡ ወይ ቦታ ልደት) ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን ጥራይ እዩ ዝፍጸም።


ዝጠፍአ መንነት ወረቐት


መንነት ወረቐት ምስ ዝጠፍእ፡ ነዚ ፎርም መሕትት ክምላእ ይግባእ። እዚ ከይተመለአ ናይ ምትካእ መስርሕ ኣይጅመርን ኢዩ።

» ፎርም መሕተቲ መንነት ዝጠፍአ


ፓስፖርት

ሓድሽ ኤርትራዊ ፓስፖርት ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ሓድሽ ፓስፖርት ዝሓቱ
  • ፎርም መሕተቲ ፓስፖርት ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ምምላእ

  • ኣርባዕተ ስእሊ 4,5X3.5 (ባዮሜትሪክ ኮይኑ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ)

  • ቅዳሕ ተዋሂቡ ዝጸንሐ ፓስፖርት (ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ምስዝህሉ)

  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት

  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ ልደት፡ ቦታ ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፡ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን ቀንዲ መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን

  • ስእሊ ምስ መነጸር ብሓኪም ዝተኣዘዘ ምስ ዝኸውን ብሓኪም ከም ዝትኣዘዘ ዘረጋግጽ ሰነድ

  • ሰነድ መንበሪ ፍቓድ/ ቅዳሕ ፓስፖርት

  • ክፍሊት ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሜኦም €160.00 ንትሕቲ ዕድመ €140.00

  • ፓስፖርት ኤርትራ ኣቐዲሞም ሒዞም ንዝጸንሑ ንኹሉ ዜጋ (ዕድመ ብዘየግድስ) ዝሕተት ክፍሊት €100,00 ኢዩ።

  • ንመላኣኺ ቡስጣ ዘገልግል እኹል ብዝሒ ገንዘብ ዘለዎ ቴምብር


ላሲ ፓስ

ላሲ ፓስ ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ላሲ ፓስ ንምርካብ
  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት

  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘይብሉ ምዝገባ ሓዲሽ መንነት ይገብር

  • ኣርባዕተ ስእሊ 4,5×3.5 (ክልተ እዝኒ ዘርኢ እቲ ድሕረ ባይታ ናይ ስእሊ ጻዕዳ ክኸውን ይግባእ)

  • አዚ ሰንድ እዚ ጠቕሊሉ ንዝምለስ ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ

  • ክፍሊት 45.00€

  • ፎርም ላሲ ፓስ ንምርካብ


ቪዛ


ኤርትራዊ መንነት ወረቐት ዘይሓዘ ንኤርትራ መእተዊ ቪዛ ክሓትት ግድን ኮይኑ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከኣ ክማላእ ይግባእ።

ቪዛ ዝሓቱ ዜጋታት

  • ብውሕዱ ልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ኣገልግሎት ዘለዎ ፓስፖርት።

  • ብዘይ ጉድለትን ዝተመልአ ፎርም መሕተቲ ቪዛ።

  • ሙሉእ ስምን ቁጽሪ ኤርትራዊ ወረቐት መንነትን ስልኪ ቁጽርን ናይ ኣብ ኤርትራ ዝቕመጥ ተሓታቲ።

  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት

  • 1 ስእሊ

  • ክፍሊት 50.00 ኤሮ

  • ቪዛ ፎርም ኣብዚ ምልኡ


ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ


ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ

Botschaft des Staates Eritrea

Konsularabteilung

Stavangerstrasse 18

D-10439 Berlin

Deutschland

Kontonummer: 723 775 300

Bankleitzahl: 100 700 00

Name der Bank: Deutsche Bank, Berlin

Transaktionen aus dem Ausland

IBAN Code: DE67 1007 0000 0723 7753 00

SWIFT IBIC Code: DEUTDEBB

Hinweis: Bitte fügen Sie den Überweisungsschein bei zum Antragsformular


ዝተፈላለዩ ሰነዳት


ምርግጋጽ ሰነዳት ከም ሰነድ ኩነታት ሓዳር፡ ሰነድ ትምህርቲ፡ ዕለተ ልደትን ካልእን ዘጠቓልል፥-

ምርግጋጽ ሰነዳት

  • ኣብ ኤርትራ ብመገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸ ሕጋውነት ለቢሱ ኣብ መንግስታዊ ይኹን ህዝባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ተቐባልነት ይረክብ።

  • ብኮፒ ወይ ብፋክስ ዝመጸ ሰነድ ኣይረጋገጽን እዩ።

  • ኣብ ኤርትራ ዝተመስርሐ ሰነድ ግድን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ ምስ መጸ ጥራይ እዩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ክፍሊ ቆንስላዊ ተረጋጊጹ ቅቡል ዝኸውን

  • ክፍሊት 45.00 ኤሮ

ውክልና ስልጣን

ውክልና ብመሰረቱ ብዙሕ ጥንቃቐ ዘድልዮ ሰነድ ስለዝኾነ፡ ኣብ ኣጸሓሕፋ ብዓይኒ ሕጊ ዘይቅቡሉ ምስ ዝኸውን ዝምልከቶ ቤትፍርዲ ወይ ኣካል ክነጽጎ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ስለዚ ውክልና ሰነድ ብንጹርን ብዘይ ዘየሻሙ ቃላት ዝተጸሓፈን ኣድላዪ ሓበሬታታት ዝሓዘለን ክኸውን ይግባእ።

ውክልና ስልጣን ቅቡል ንክኸውን እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክማላእ ኣለዎ

  • ብወገን ወካሊ ክቐርብ ዘለዎ ሓበሬታ፦

    • ሙሉእ ስም

    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት

    • ዕለትን ቦታ ልደትን

    • ህልዊ ኣድራሻ

  • ከም እውን ብወገን ተወካሊ፥-

    • ሙሉእ ስም

    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት

    • ዕለትን ቦታ ልደትን

    • ህልዊ ኣድራሻ

  • እቲ ውክልና ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ከተማ ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን ካብ እቲ ሽማግለ መሰነይታ ደብዳበ ምስቲ ውክልና ተታሒዙ ይቐርብ። ብሓደ ዓይነት ሕብሪ ቀለም ፒሮን ብናይ ሓደ ሰብ ኢድን ክጸሓፍ ኣለዎ።

  • ውክልና ምርግጋጽ ዕለተ-ልደትን ኩነተ-መርዓን ምስዝኸውን ተወካሊ ናይ ቀረባ ዘመድ (ወላዲ፡ ወላዲት፡ ሓዉ፡ ሓብቲ ወይ ሕጋዊ ጠበቓ ክኸውን ይግባእ)

  • ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ኣብ ማ/ቤ/ጽ ኮማውን ቆንስላውን ጉዳያት ክረጋገጽ ኣለዎ

  • ሰነድ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ፡ መሕወይ ግብሪ ማለት 2% ተኸፊሉ ብክሊራንስ ክስነ ግድን እዩ።

  • ውክልና ስልጣን ፎርም

ምስክርነት ህላወን ነባርነትን

ህላወ ምስክርነት ወይ ነባርነት ንጡሮታ ይኹን ወይ ንብረት ንኤርትራ ንምልኣኽ ዘኽእል፡ ሓታቲ ብህይወት ከምዘሎ ወይ ነባሪ ሃገር ጀርመን ከም ዝኾነ ዘረጋግጽ ሰነድ እዩ። ክቕረብ ዘለዎ ሰነዳት፦

  • ቅዳሕ መንነት ወረቐት

  • ቅዳሕ ፓስፖርት

  • ቅዳሕ ክሊራንስ

  • መምለሲ ደብዳበ

ምርግጋጽ ኩነተ-መርዓ

  • ኣብ ኤርትራ ቃልኪዳን ክኣስሩ ዝደልዩ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ካብቲ ዝነብርሉ ምምሕዳር ከተማ Meldestelle ኣብቲ ኩነታት ሓዳር ዝሕብር ledig/ geschieden ወዘተ ዝሕብር ሰነድ ከቕርብ ይግባእ።

  • እቲ ካብ Meldestelle ዝወሃብ ሰነድ እዋናዊ ክኸውን ኣለዎ

  • ክፍሊት 45.00 ኤሮ

ምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ሰነዳት

  • መበቆላዊ ሰነድ ናይቲ መረጋገጺ ተደልይሉ ዘሎ ጉዳይ

  • ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ሰነድ ካብ ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ ክመጽእ ኣለዎ